Mental Health

ካብ ጸቅጢ መገላገሊ መስርሕ ስነልቦና

ናይ ድምጺ መልእክቲ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ

ብዛዕባ እንታይነት ጾታዊ ዓመጽን ከምኡውን ዓለማዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብን ክንዛረብ ኢና ᎐ብተወሳኪ ዉን ነቶም ካብ ጾታዊ ዓመጽ ክወርዱና ዝክእሉ ስነኣእምሮኣዊን ስምዒታውን ዕንቅፋታት ክንሰግረሎም ዝሕግዙና ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ንጥፈታት ክንርኢ ክንፍትን ኢና ᎖ከምኡዉን ኣብዚ ጉዳይ ዝነጥፉን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምስ ዝህቡን ማሕበራት ከነላልየኩም ኢና᎐

ኣማከርቲ ስነ ልቦና መንዮም

እዚ ናይ ድምጺ መልእክቲ ዚ ናይ ስነ ንቦና ኣማከርቲ መንዮም መዓስ ሰብ ኣገልግሎት ሰብ ሞያ ስነልቦና የድልይዎ ከምኡዉን ኣብ መንጎ ሰብሞያ ናይ ስነ ልቦናን ስነ ኣእምሮን ከ ታይ ፍልልይ ኣሎ ከምኡዉን ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታት ብምጽናዕቲ ዝተደገፈ ፕሮፈሽናል ኣፍልጦኩም ዘዕቢ እዋናዊ ሓበሬታ እንሆ

ኣካላዊ ምንቅስቃስ ወይ ምፍትታሕ

ናይ ምርባሽ ናይ ፍርሒ ወይ ናይ ወጥሪ ስምዒት ኣለካ ዶ ᎒ ካብዚ ኩነት ንምንጋፍ እንታይ ክትገብር ኣለካ ኣብዚ እምበኣር ናይ ኣእምሮ መዛነይ ምንቅስቃስ ኣለካ ኣብ መኣልታዊ ሂወትካ ክትጥቀመሉ ትክእል ኢካ

ብከመይ ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ምስ ሕማም ኮሮና ትቃለስ

ናይ ኮሮና ቫይረስ ምልባዕ ዳርጋ ንመዓልታዊ ሂወትና ጸልይዎ ይርከብ እዚ ናይ ድምጺ ሓበሬታ እምበኣር ብከመይ ምስዚ ዘሎ ሓድሽ ኮሮና ዝፈጠሮ ሂወት ኣወንታዊ ናይ ኣነባብራ ሜላ ነማዕብል ኣብ ዝብል ዘተኮረ ሓበሬታ ዩ

ምንጪ ፍርህን ብከመይ ኣብዚ ናይ ኮቪድ ᎗19 እዋን ንረጋጋእን

ንምንታይ ንፈርህ ᎒ ብከመይ ሰባት ንፍርሂ ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ይህቡ ብከመይ ከ ምስ ኮቪድ ᎗19 ንነብር ᎒ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብቋንቋ ኣደኩም ኣብዚ ናይ ድምጺ ምልእከቲ ተከታተሉ